3 ነገራት ደረጃ ኢነርጅና ንምውሳኽ
ኣብ ዝኾነ ይኹን ነገር ንዕውትንትካ ወይ ንውድቀትካ ዝፀሉ እቲ ቁፅሪ ሓደ ነገር ደረጃ ናይ ኢነርጂኻ እዩ። ኣብ ህይወት በዓል ሙሉእ ጥዕናን ዕውትን ሰብ ክትከውን እንተኾይንካ ኩሉ ግዜ ልዑል energy ክህልወካ አለዎ። ዓብይ ዓወትን ኣደናቂ ውፅኢትን ዓብይ ኢነርጂ እዩ ዝደሊ። እቲ ምስጢር ብከመይ ክትረክቦን ሒዝካዮ ክትፀንሕን ከምትኽእል ምምሃር እዩ።
ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ Energy ብኸመይ ከም እንውስኽ ንምርዳእ መጀመርያ እንታይነት ኢነርጂ ምርዳእ ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ፡
ኢነርጂ እንታይ እዩ?
ኢነርጂ ማለት ኣብ ሓደ መዓልቲ ክንገብሮ ዝግበኣና ኩሉ ክንፍጽም ዘኽእለና ኩነታት ኣእምሮኣዊ ንፁርነት፡ ስምዒታዊ ህድኣትን ኣካላዊ ንቕሓትን እዩ።
ብኣንፃሩ፡ ትሑት Energy ምስ ዝስምዓና፡ እቲ ጠንቂ ናይ ኣካላዊ ስምዒታውን ኣእምሮኣውን ድኻም ክኸውን ይኽእል እዩ።
ትሑት Energy እንተሃልዩካ ኣብ ህይወትካ እንታይ ትገብር?
energyኻ ትሑት ኣብ ዝኾነሉ እዋን ብዛዕባ ህይወት ከመይ ትሓስብ?
Energyኻ ትሑት ኣብ ዝኾነሉ እዋን ብዛዕባ ዝምድናኻ (ርክብካ) ከመይ ይስመዐካ?
ትሑት ፀዓት Energy እንተሃልዩካ ኣብ ህይወትካ ዝረብሕ ነገር ክትገብር ኣይትኽእልን። ብዛዕባ ህይወት ሕማቅ ሕማቁ ኢኻ ትሓስብ። ስምዒትካ ፅቡቅ ኣይኸውንን ኩሉ ነገር ስልችው ይብለካ። ትሰላቾ። በቃ ኣካይዳኻ ሕማቕ ፣ ኣቀማምጣኻ ሕማቕ ፣ ዘረባኻ ሕማቕ ሓሳብካ ሕማቕ ፣ ተግባርካ ሕማቅ ዝምድናኻ ሕማቕ እዩ ዝኸውን። ኮታስ ኣብ ትሑት ኩነታት የእትወካ። ትሑት energy ምስ ዝህልወካ ኩሉ ነገር እዩ መፅልኢ።
እንተኾነ ዓርስኻ ክትቅይር ፣ ዝበለፀ ክትከውን ፣ ብሉፅ ስራሕ ክትሰርሕ ትኽእል። ትሑት ፀ energy ሃልዩካ ግን ከምኡ ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ። ልዑል energy እንተሃልዩካ ግን ዝኾነ ይኾን ነገር ክትገብር ትኽእል ኢኻ።
ስለዚ እቲ ክንርድኦ ዘለና energy ኩሉ ነገር እዩ።
energy እንተሃልዩካ ንነብስኻ ብደምቢ ክትከታተላ ትኽእል ኢኻ።
ብዙሕ ፀዓት ዘይብልካን ዘድልየካን እንተኾይኑ ግን ክሓተካ ?
energy ካበይ እዩ ዝመፅእ?
energy ልማድ እዩ።
ኢነረጅኻ ካብ ትሑት ናብ ልዑል ንምቅያር እዞም 3 ብሉፃት ምኽርታት ኣብ መዓልታዊ ልማዳኻ ምሕዋስ ኣገዳሲ እዩ።
እቲ ሓደ ኢነርጅኻ ዝቅየረሉ መንገዲ ድምፂ (sound) እዩ። እትፈትዎ ኣለዓዓሊ ሙዚቃ ምስማዕ ፣ ዓው ኢልካ ምድራፍ ፣ በቲ ሙዚቃ ምስዕሳዕን ምዝላልን ኢርጅና ልዑል ክኸውን ይገብር።
ካልኣይ ካብቲ ፀዓትካ(ኢነርጅኻ) ዝቅየረሉ መንገዲ ምንቅስቃስ (Movement) እዩ። ዝኾነ ዓይነት ኣካላዊ ምንቅስቅስ ምግባር ናይ እግሪ ጉዕዞ ፣ ምጉያይ ፣ ፑሽኣብ ፣ ጂም ከይድካ ክብደት ምልዓል ወዘተ ክኾን ይኽእል እዚ ብቀጥታ እዩ ኢነርጂና ዝቅይረልና።
ሳልሳይ ድማ ብዙሕ ምሕሳብ ጠጠው ምባል – ብዙሕ ምሕሳብ ብተለምዶ ካብ መጠን ንላዕሊ ምትንታን ወይ ካብ መጠን ንላዕሊ ኣብ ሓሳባት ምሕዳር ዘመልክት ኮይኑ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ፀቕጢ፣ ጭንቀትን ዘይምውሳንን የስዕብ። እዚ ድማ ኢነርጅና ክፅንቀቅ ይገብሮ፣ ስለዚ ኢነርጅና ልዑል ክኸውን ልዕሊ ዓቀን ምሕሳብ ጠጠው ክነብል ኣለና።
እዞም ሰለስተ ነገራት ኣብ መዓልታዊ ልምድታትና ብምክታት ኢነርጅና ኩሉግዜ ልዑል ክኾን ክንገብሮ ንኽእል።
ኣለምብርሃን ግደይ
መንገዲ ዓወት
ልዑል ኢነርጂ (ውሽጣዊ ሓይሊ) ብኸመይ ይህልወና
4 ነገራት ደረጃ ኢነርጅና ንምምሕያሽ
ኣብ ዝኾነ ይኹን ነገር ንዓወትካ ወይ ንውድቀትካ ዝፀሉ እቲ ቁፅሪ ሓደ ነገር ደረጃ ናይ ኢነርጂኻ (ፀዓትኻ) እዩ። ኣብ ህይወት በዓል ሙሉእ ጥዕናን ዕውትን ሰብ ክትከውን እንተኾይንካ ኩሉ ግዜ ልዑል energy ክህልወካ አለዎ። ዓብይ ዓወትን ኣደናቂ ውፅኢትን ዓብይ ኢነርጂ እዩ ዝደሊ። እቲ ምስጢር ብከመይ ክትረክቦን ሒዝካዮ ክትፀንሕን ከምትኽእል ምምሃር እዩ።
ብተፈጥሮኣዊ መንገዲ ጸዓት ብኸመይ ከም እንውስኽ ንምርዳእ መጀመርያ እንታይነት ኢነርጂ “ጸዓት” ምርዳእ ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ፡
ኢነርጂ ማለት ኣብ ሓደ መዓልቲ ክንገብሮ ዝግበኣና ኩሉ ክንፍጽም ዘኽእለና ኩነታት ኣእምሮኣዊ ንጹርነት፡ ስምዒታዊ ህድኣትን ኣካላዊ ንቕሓትን እዩ።
ብኣንጻሩ፡ ዝያዳ ጸዓት ከም ዘድልየና ምስ ዝስምዓና፡ እቲ ጠንቂ ናይ ኣካላዊ ስምዒታውን ኣእምሮኣውን ድኻም ክኸውን ይኽእል እዩ።
ትሑት ፀዓት (Energy) እንተሃልዩካ ኣብ ህይወትካ እንታይ ትገብር?
ፀዓትካ(energy) ትሑት ኣብ ዝኾነሉ እዋን ብዛዕባ ህይወት ከመይ ትሓስብ?
ትሑት ፀዓት ኣብ ዝስመዐካ ብዛዕባ ህይወት ከመይ ትሓስብ?
ትሑት ፀዓት (Energy) እንተሃልዩካ ኣብ ህይወትካ ዝረብሕ ነገር ክትገብር ኣይትኽእልን። ብዛዕባ ህይወት ሕማቅ ሕማቁ ኢኻ ትሓስብ። ስምዒትካ ፅቡቅ ኣይኸውንን ኩሉ ነገር ስልችው ይብለካ። ትሰላቾ። በቃ ኣካይዳኻ ሕማቅ ፣ ኣቀማምጣኻ ሕማቅ ፣ ዘረባኻ ሕማቅ ሓሳብካ ሕማቅ ፣ ተግባርካ ሕማቅ እዩ ዝኸውን። ኮታስ ኣብ ትሑት ኩነታት የእትወካ። (ትሑት ፀዓት ምስ ዝህልወካ ኩሉ’ዩ ተፀላኢ(ብላሽ)( lousy)።
እንተኾነ ዓርስኻ ክትቅይር ፣ ዝበለፀ ክትከውን ፣ ብሉፅ ስራሕ ክትሰርሕ ትኽእል። ትሑት ፀዓት ሃልዩካ ግን ከምኡ ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ። ልዑል ፀዓት (እንተሃልዩካ) ግን ዝኾነ ይኾን ነገር ክትገብር ትኽእል ኢኻ።
ስለዚ እቲ ክንርድኦ ዘለና ፀዓት (energy) ኩሉ ነገር እዩ።
ፀዓት እንተሃልዩካ ንነብስኻ ክትከታተላ ትኽእል ኢኻ።
ብዙሕ ፀዓት ዘይብልካን ዘድልየካን እንተኾይኑ ግን ክሓተካ ?
ፀዓት (energy) ካበይ እዩ ዝመፅእ?
ፀዓት ልምዲ (ልማድ) እዩ።
ኢነረጅና ካብ ትሑት ናብ ልዑል ንምቅያር እዞም ነገራት ኣብ ልምድኻ ምሕዋስ ኣገዳሲ እዩ። ብዙሕ ነገራት ክንገብር ንኽእል ኢና ናተይ ብሉፃት 3 ነገራት ግን እዚኦም እዮም
እቲ ሓደ ፀዓትካ(ኢነርጅኻ) ዝቅየረሉ መንገዲ sound እዩ።
- ምድራፍ…. ዓው ኢልካ ምድራፍ- ዓው ኢልና እንትደርፍ ኦክሰጅን ናይ ዓሚቁ ትንፋስ ኣእቲና ኢና ነውፅእ.. ናይ ትንፋስ ስራሕ ኢና ንሰርሕ ከምኡ እውን
- እትፈትዎ ኣነቃቃሒ ደርፊ ምስማዕ ስምዒታዊ ፀዓትና ክልዕል ይገብር..
- ሙዚቃን ሳዕስዒትን ስምዒትካን ደረጃ ፀዓትካን ብቕፅበት ንምዕባይ ምልዕዓል ዝፈጥር ሙዚቃ (uplifting music) ምስማዕ ወይ ኣብ ድንገታዊ ሳዕስዒት ምውፋር
ካልኣይ ካብቲ ፀዓትካ(ኢነርጅኻ) ዝቅየረሉ መንገዲ ምንቅስቃስ (Movement) እዩ። ዝኾነ ዓይነት ኣካላዊ ምንቅስቅስ ምግባር (ናይ እግሪ ጉዕዞ ፣ ምጉያይ ፣ ፑሽኣብ ክኾን ይኽእል ጂም ከይድካ ክብደት ምልዓል ወዘተ…ክኾን ይኽእል ብቀጥታ እዩ ኢነርጂ ዝህበካናን ዝቅይረልናን
ሳልሳይ hot and cold treatments – ዝሑልን ምዉቁን – ንኣብነት
ራብዓይ ድማ ብሓሳብ ዘይምብስልሳል (manage stress
- ሽቶታት ኣቐምጥ – ንነብስኻ ክትበፅሖ እትኽእል ሽቶታት ኣቐምጥ እሞ ንዕኡ ንምዕዋት ንኣሽቱ ስጉምትታት ውሰድ። ምዕባለን ምዕዋትን ደረጃ ፀዓትካ ዝውስኹ ሓያላት ድርኺታት ክኾኑ ይኽእሉ።
ክልቲኡ ንምጥቅላል ድማ እናሳዕሳዕኻ ከም ቆልዓ እናዘለልካ ፍንጭራዕ እናበልካ ምድራፍ። ብኸምዚ ፀዓትካ(ኢነርጅኻ) ክትፈትሖ ትኽእል።
ዓው ኢልካ ድረፍ በይንካ ኮይንካ እትፈትዎ ደርፊ ድረፍ ተንቀሳቀስ ሳዕስዕ … ዝለል ከምቆልዓ ፍንጭራዕ በል… ካብኡ ፀዓት ይመፅእ… ልዑል ፀዓት (high energy) ይመፅእ።
ብሓፈሻ ፀዓት (ኢንርጂ) ንምርካብ (ንምቅያር) ብናተይ እቲ ብሉፅ ምክሪ ምድራፍን ብእትፈትዎ ሙዚቃ ምስዕሳዕን እዩ።
…. ተዛዚሙ …..
ሳልሳይ ድማ ብዙሕ ምሕሳብ ጠጠው ምባል – ብዙሕ ምሕሳብ ብተለምዶ ካብ መጠን ንላዕሊ ምትንታን ወይ ካብ መጠን ንላዕሊ ኣብ ሓሳባት ምሕዳር ዘመልክት ኮይኑ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ፀቕጢ፣ ጭንቀትን ዘይምውሳንን የስዕብ። ብዛዕባ ሕሉፍ ፍፃመታት ወይ መፃኢ ውፅኢት ብቐፃሊ ምጭናቕ ፀገማት ምሕሳብ ወይ ኣብ ዙርያ ኣሉታዊ ሓሳባት ምፅናሕ ኰይኑ ክግለፅ ይኽእል። ልዕል ዓቀን ምሕሳብ ንውሳነታት ፈጠራን ሓፈሻዊ ፅቡቕ ህይወትን ክዕንቅፍ ይኽእል።
ሓደ ሰብ ብዙሕ ክሓስብ ከሎ ኣእምሮኣዊ ፀዓቱ ካብ መጠን ንላዕሊ ብምሕሳብን ትንተናን ጭንቀትን ይውዳእ። በዚ ድማ ሓፈሻዊ ፀዓትና ክጠፍእ ይኽእል እዩ።ብዙሕ ምሕሳብ ድኻምን ውጥረትን ክስመዐና ዝገብር ሰላቢ ተግባር እዩ፣ በዚ ድማ ኢነርጅና ክፅንቀቅ ይገብሮ፣ ስለዚ ኢነርጅና ልዑል ክኸውን ልዕሊ ዓቀን ምሕሳብ ጠጠው ክነብል ኣለና።
@